‘ንህወሓት ብኵናት ምስዓር ዝከኣል ኣይመስለንን።’ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 22 September 2021

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንህወሓት ብኵናት ምስዓር ዝከኣል ኣይመስለንን’ዩ ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ገሊጹ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ብኣጋጣሚ’ቲ ብ21 መስከረም ዝተኸፍተ፣ መበል 76 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ንህወሓት ብኵናት ምስዓር ዘይክኣለሉ ምኽንያት፣ ምስ ህዝቢ ዝተወሃሃደን ኣዝዩ ልዑል ናይ ውግእ ብቕዓት ከምዝውንን ንጹር ስለዝኾነን’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ህወሓት’ውን ከምቲ ቅድሚ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሊሱ ንኢትዮጵያ ክቖጻጸር ስለዘይክእል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፣ ብዘተ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ብኵናት ክፍታሕ ኣይክእልን’ዩ ክብል ደምዲሙ።

እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፣ ኩሎም ወገናት ስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲ ብምኽታም ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክቐርቡ ተማሕጺኑ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ብዙሕ ግፍዕታት እናፈጸመ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ግና ኣብቲ ፈለማ ሰራዊት ኤርትራ የለን ክብል ገሊጹልካ፣ በዚ ሕማቕ ዶ ተሰሚዑካ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ ድማ፣ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ ተሰሚዑኒ ክብል ገሊጹ።
============

COMMENTS

WORDPRESS: 0