ጣሊባን፣ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ስሩዕ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ክሳተፍ ሓቲቱ

Radio Erena: 23 September 2021

ብኣመሪካ ንዝድገፍ ዝነበረ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብኵናት ስዒሩ ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን፣ ብ21 መስከረም ኣብ ዝተኸፍተ መበል 76 ስሩዕ ዋዕላ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ክሳተፍ ሓቲቱ።

ጣሊባን፣ ነቲ ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መንግስቲ ንዝረቑሖ ኣምባሳደር ኢላም ኡስካዚ፣ ንኣፍጋኒስታን ከምዘይውክል ብምጥቃስ፣ ሓድሽ ወኪሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክልእኽ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።

ዛጊት ብዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ ከም መንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ጣሊባን፣ ናብቲ ወከልቲ 193 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዘለዋ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ መልእኽቲ ከሕልፍ ዝመዘዞ፣ ኣብ ቀጠር ዝርከብ ኣፈኛኡ፣ ሱሀይል ሻሂን’ዩ።

እንተኾነ፣ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ብምውካል ኣብቲ ክሳብ 30 መስከረም ዝጸንሕ ዋዕላ ተረኺቡ መደረ ከስምዕ ክፍቀደሉ እንተኾይኑ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ሩስያን ቻይናን ዝርከብአን 9 ሃገራት ተዛትየን ውሳኔ ክህባሉ ኣለወን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ዝእምቱ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ፣ ኢላም ኡስካዚ ነታ ሃገር ወኪሉ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ከምዘሎ ኣተንቢሆም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ጥሪ 2017 ኣትሒዙ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ክቕጽል፣ ንኻልኣይ እዋኑ ተመሪጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖርቱጋል ዝነበረ፣ ወዲ 72 ዓመት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት፣ ንኽዕወቱ ብቀዳምነት ካብ ዝሰርዖም መደባት፣ ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ምዕሩይ ዝርግሐ ክታበትን ይርከቦ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0