‘ኢትዮጵያ፣ ብኵናትን ጥሜትን እትልለ ሃገር ኮይና ኣላ።’

Radio Erena: 22 September 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ኣስታት 13% ካብ ህዝባ ንሓደጋ ጥሜት ክቃላዕ ምዃኑ ፕሮግራም መግቢ ዓለም መጠንቀቕታ ዘርጊሑ ኣሎ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፣ ነዚ መጠንቀቕታ ዘሕለፈ፣ ድሮ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥሜት ሰባት ክሞቱ ኣብ ዝጀመርሉ’ዩ።

ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ድማ፣ ዓጸቦ ብዝያዳ ኣብ ዝተራእየሉ ከባቢ ትግራይ፣ ሓንቲ ኣደን ህጻን ውላዳን ብሰንኪ ጥሜት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

እዚ ሓደጋ’ዚ ድማ 20 ኣብ ዝኾና ከባቢታት ትግራይ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ክቃላዕ እንከሎ፣ ኣብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን’ውን ብድምር ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ዝብላዕን ዝስተን ንምርካብ ተጸጊሙ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብተሰላሚ ናይ ሰላም ኖቤል ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እትምራሕ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲማ ካብተን ቅልጡፍ ዕብየት ቁጠባ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ክትብሃል እኳ እንተጸንሐት፣ ካብዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዛ ግና ብኵናትን ጥሜትን እትልለ ሃገራት ኮይና ምህላዋ ምዕራባውያን ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እዛ ኣስታት 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፣ እዚ ሕጂ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ኵናትን ጥሜትን፣ ካብቲ ብ 1984 ዘጋጠማ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝበኣሰ ሞትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ከየስዓበ እንከሎ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ድማ እቶም ተዓዘብቲ ይላበዉ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0