መግለጺ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዘቖጠዓ ሱዳን፣ ካብ ኢጋድ ክትወጻእ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ

Radio Erena: Friday 14 July 2023

ሱዳን፣ ካብ ዞባዊ ውድብ ናይ መንግስታት በዓል ስልጣን ንልምዓት ወይ ኢጋድ ክትወጽእ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ።

ሱዳን ነዚ ዘጠንቀቐት፣ ብ10 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብኣ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ኩነታት ንምርግጋእ፣ ዞባዊ ሓይሊ ክዋፈር ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ድሕሪ ምምይያጡ’ዩ።

ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ስልጣን ሃጓፍ ኣሎ ምባሉ፣ ንሱዳን ከምዘቖጠዓ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ብ11 ሓምለ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኢጋድ ዘቕረቦ እማመ ምውፋር ዞባዊ ሓይሊ ብትሪ ከምዝነጽጎ ዘመልከት መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ናብ ሃገሩ ዝዋፈር ዝኾነ ዞባዊ ሰራዊት ከም ባዕዳዊ ወራሪ ከምዝርእዩ ኣፍሊጡ።

ሱዳን፣ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ኬንያ ንዝካየድ፣ ተበግሶ ኢጋድ ንዘተ ሰላም ከምዘይትቕበል ኣቐዲማ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0