‘ናይ ኤርትራ ፓስፖርት እቲ ናብ ዝወሓደ ሃገራት ከንቐሳቕስ ዝኽእል ፓስፖርት’ዩ’ ሓድሽ መጽናዕቲ

‘ናይ ኤርትራ ፓስፖርት እቲ ናብ ዝወሓደ ሃገራት ከንቐሳቕስ ዝኽእል ፓስፖርት’ዩ’ ሓድሽ መጽናዕቲ

Radio Erena: 08 July, 2014

Eri Pass

ካብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እቲ ዝወሓደ ናይ ምንቕስቓስ ናጽነት ዘለዎ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ምዃኑ ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሔት ጉድ ‘GOOD’ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ፓስፖርት ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቪዛ ይኹን ብዘይ ቪዛ ንምንቕስቓስ ብዝፍቐደሉ ደረጃታት፣ ኣብ ቀዳማይ ዝስራዕ ናይ ሲሸልስ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዑ ዘሎ ድማ ናይ ኤርትራ’ዩ።

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ብዘይካ ናብ ኡጋንዳን ሱዳንን ናብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብዘይ መእተዊ ቪዛ ከንቐሳቕስ ኣይክእልን’ዩ።

 

ኬንያ’ውን ኣቐዲማ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዘ ሰብ ብዘይ ቪዛ ክኣቱ ክትፈቕድ እኳ እንተጸንሐት፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ግና ቪዛ ክትሓትት ምጅማራ ይግለጽ።

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዘ ሰብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ብዘይጸገም መእተዊ ቪዛ ክህባ ዝኽእላ ተባሂለን ዝተለለያ ድማ ኣስታት 35 ሃገራት ኣለዋ።

በንጻሩ እቲ ኣፍሪቃ ዝበለጸ ናይ ምንቕስቓስ ዕድል ዝፈጥር ናይ ሲሸልስ ፓስፖርት፣ ኣብ መላእ ዓለም ናብ 126 ሃገራት ከንቐሳቕስ ይኽእል።

ብደረጃ ዓለም እቲ ዝበጸለ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ዝህብ ፓስፖርት ናይ ፊንላንድ ኮይኑ ናብ 173 ሃገራት ብዘይ ቪዛ የንቐሳቕስ።

ናይ ኣፍጋኒስታን ፓስፖርት ድማ በንጻሩ፣ ብደረጃ ዓለም እቲ ዝተሓተ ናይ ምንቕስቓስ ዕድል ዝህብ ኮይኑ ኣብቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ።

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይ መእተዊ ቪዛ ናብ ኣስታት 35 ድማ ቪዛ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብምሕታት ከንቐሳቕስ እንከሎ፣ ናይ ኣፍጋኒስታን ግና ናብ ዝኾነት ሃገር ከንቐሳቕስ ኣይክእልን’ዩ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0