ኤርትራ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ

ኤርትራ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 07 July, 2014

Eri Cyc

ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI)፡ ናይ’ዛ ዝዛዘምናያ ወርሒ ሰነ፡ ደረጃ ቅድድም ብሽክለታ ሃገራትን ተቐዳደምቲን ኣውጺኡ ኣሎ።

በቲ ዝውጸ ደረጃ መሰረት፡ ሞሮኮ ብ971 ነጥቢ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ዝኾነት ሃገርና ኤርትራ 780.5 ነጥቢ፡ ኣልጀርያ ከኣ 541.01 ነጥቢ ብምውህላል ንሞሮኮ ስዒበን ካልአይቲን ሳልሰይቲን ኮይነን።

ብውልቂ ሞሮካዊ ሞህሲን ላህሳኒ ብ219 ነጥቢ ላዕለዋይ ኢድ ዝጨበጠ ክኸውን ከሎ፡ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ – ራይድ ፎር ሄልፕ ኤርትራዊ መኽሰብ ደበሳይ ከኣ ካብ ላህሳኒ 47 ነጥቢ ድሒሩ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

 

ኣልጀርያዊ ዓዘዲን ላጋብ ድማ፡ ብ154.67 ነጥቢ ሳልሳይ ኮይኑ ንመኽሰብ ይኽተሎ።

ንናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደረጃ ቅድድም ብሽክለታ ንዓመታት ዝዓብለለት ኤርትራ፡ ሕጂ’ውን መሪሕነታ ከየድፈረት 489.92 ነጥቢ ቀዳመይቲ ብምዃን ትቕጽል ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን ከኣ ብወገነን፡ ካልአይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ንወርሒ ሰነ ተሰናቢተንኦ።

እዚ ወጺኡ ዘሎ ደረጃ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ንዝተኻየዱ ውድድራት እምበር ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ንዝተገብሩ ውድድራት ኣብ ግምት ኣየእቱን እዩ።

ኤርትራ ናይ ቀዳማይ ደረጃ መሪሕነት ናይ’ቲ ኩሉ ግዜ ትብሕቶ ዝነበረት ደረጃ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብሞሮኮ ክትምንጠል ዝተገደደት፡ ብምኽንያት ሕጽረት ባጀት፡ ከም’ቲ ዝድለ፡ ካብ ሃገራ ወጺኣ፡ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ስለዘይተካይድ ዘላ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ክካየድ መደብ ወጺእሎም ዝነበረ፡ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም- UCI ተፈላጥነት ዘለዎም ኣርባዕተ ዓበይቲ ውድድራት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ምስራዞም’ውን ንኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ነጥብታት ከምዘኽሰራ ይፍለጥ።

እቶም ዝተሰረዙ ኣርባዕተ ቅድድማት ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ኤርትራ፡ ፈንቅል ቻሌንጅ፡ ማርቲርስ ደይን ኣስመራ ቺርኪቶን እዮም።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0