ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ 60% ፕሮጀክት ኣስመራ ወኒኑ

ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ 60% ፕሮጀክት ኣስመራ ወኒኑ

Radio Erena: 08 July, 2014

Eri min

ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ፣ 60 ሚእታዊት ናይቲ ናይ ኣስመራ ፕሮጀክት ዝፍለጥ ናይ ዕደና ንጥፈታት ከምዝወነነ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደሩ ኩባንያ ነዚ ዝገለጸ፣ ብ27 ሰነ 2014 ምስቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝኸተሞ ሓድሽ ስምምዕ’ዩ።

እቲ ንከባቢታት እምባደርሆ፣ ድባርዋ፣ ጉፖን ዓዲ ንፋስን ዘጠቓለለ ናይ ዕደና ፕሮጀክት፣ ኣብ 2015 ወርቕን ነሓስን ፍርያቱ ንዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ እቲ ኩባንያ ን60 ሚእታዊት ናይቲ ፕሮጀክት ንምውናን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሰማምዐ።

 

ሰለስተ ካብ ሓሙሽተ ኣባላት ቦርድ ናይቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክት’ውን ወከልቲ ናይቲ ናይ ወጻኢ ኩባንያ ከምዝኮኑ ኣካይዲ ስራሕ ሳንሪጅ፣ ማይክል ሆፕለይ ኣረጋጊጹ።

ማይክል ሆፕለይ፣ እቲ ስምምዕ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ነጥበ መቀይሮ ኣብ ዕደና ፕሮጀክት ኣስመራ’ዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ 40 ሚእታዊት ፕሮጀክትን ክልተ ካብ ኣባላት ናይቲ ቦርድን ድማ ናይቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ሃገራዊ ኮርፐራሽን ዕደና’ዩ።

እዚ ወርቂ፣ ነሓስን ዚንጎን ዝኣመሰለ ማዕድናት ብብዝሒ ዝርከቦ ዕደና ፕሮጀክት ኣስመራ፣ ንድባርዋ፣ ዓዲ ንፋስ፣ እምባደርሆን ጎፖን ዘጠቓለለ 111 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ይሽፍን።

እዚ ኣህጉራውያን ትካላት ዓቢ መኽሰብ ከምዝረኽባሉ ዝገልጽኦ ዘለዋ ናይ ኤርትራ ዕደና መንግስቲ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ሓቢኡ ብምስጢር ሒዝዎ ምህላዉ፣ ንብልሽውናን ምጥፍፋን ዝዓደመ’ዩ ክብሉ’ዮም ሓያሎ ኤርትራውያን ዝነቕፍዎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0