ኣብ ቃዛ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንደቂ ኣንስትዮ ብዝያዳ ግዳያት ይገብር

Radio Erena: Wednesday, 25 October 2023

ብቀዳም 7 ጥቅምቲ ንግሆ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝመደበሩ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ብመሬት ባሕርን ሰማይን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምክያዱ፣ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቃዛ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምፍጻም ልዕሊ 1300 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 5,900 ዝግመቱ ፍልስጤማውያን ቀቲሎም።

እዚ ድማ ብሰንኪ ልዕሊ 16 ዓመታት ምዕጻው ቃዛ ዝነበረ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲድዎ።

መንግስቲ እስራኤል ናብ ቃዛ ዝህቦ ዝነበረ ቀረብ ከምዘቋረጾን ሆስፒታላት ድማ ኤሌክትሪክ ይኹን ናውቲ ሕክምና ከምዝተሓረመንን ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተሃስያን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ቃዛ ዝርከባ 50 ሽሕ ዝግመታ ነፍሰጾራት፣ ቅድሚ ሕርሲ ክንክን ከይስእናን ብዘይ ኤሌክትሪክ ይኹን ናውቲ ሕክምና ክወልዳ ድማ ሓደገኛ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላት የጠንቅቑ።

ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኩነታት ብቅልጡፍ ፍታሕ ከናድየሉ ድማ ይምሕጸኑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0