ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ዞባዊ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ጂቡቲ በጺሑ

Radio Erena: Wednesday, 03 January 2024

ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ኣብ ዲፕሎማስን ተኽእሎ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲን ንምዝታይ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጀመሮ ዑደት ብምቕጻል ናብ ጂቡቲ ኣምሪሑ።

ዑደቱ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢትዮጵያ ዝፈለመ ጀነራል ዳጋሎ፣ ብመንጎኝነት ኢጋድ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ብምርኻብ፣ ክዝቲ ተኽእሎ ከምዘሎዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እቲ መደብ ምኽንያቱ ብዘይተጠቕሰ፣ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳጋሎ፣ ዑደቱ ናብ ኡጋንዳ ብምቕጻል ምስ ፕረዚደንት ዬዌሪ ሙሰቬኒ ተራኺቡ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳንን ተኽእሎ ምቑራጽ ቶዅሲን ተመያይጡ።

ንሱ ዑደቱ ብምቕጻል፣ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት፣ ናብ ጂቡቲ ብምእታው ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ።

ኣቀዲሙውን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ናብ ጂቡቲ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር።

ጂቡቲ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበርነት ኢጋድ ትርከብ ምስ ምህላዋ፣ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፡ ንዲፕሎማስያዊ ምሽማውዮም ናብታ ሃገር ተመራሪሖም ዑደት ኣካይዶም ክብሉዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

ግጭት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ 10 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ፣ ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ይኹን ኢጋድ ዝተፈተኑ ጻዕርታት ንስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲን ከዕውቱ ኣይከኣሉን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0