ሊብያ፣ ብባሕሪ ዝተበገሱ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 900 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ተታሒዞም

Radio Erena: Tuesday 07 June 2023

ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 900 ስደተኛታት ተታሒዞም።

እቶም ስደተኛታት፣ ካብ 28 ግንቦት ክሳብ 03 ሰነ፣ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ገማግም ሊብያ ካብ ዝርከባ ከተማታት ትሪፑሊ፣ ዛውያ፣ ስብራታ፣ ዚንታንን ሚስራታን ዝተበገሱ ምንባሮም ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት – IOM ሓቢሩ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ካብ ባሕሪ ሒዞም’ዮም ናብ ሊብያ መሊሶሞም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብጠቕላላ ልዕሊ 6600 ስደተኛታት፣ ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ባሕሪ ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱ ጸብጻብ IOM ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ 651 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ክሞቱ እንከለዉ፣ ናይ 332 ድማ ደሃዮም ጠፊኡ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ እትርከብ ኢጣልያ ብወገና፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበግሱ፣ ልዕሊ 26 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝፈለሱዋ ትገልጽ።

ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ምስ ሊብያን ቱኒዝያን ንምትሕብባር ስምምዓት ከቲማ ከምዘላ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0