ተቐናቐንቲ ሱዳን፣ ‘ንዘተ ቅሩባት ኣይኮናን’ ይብሉ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ክሽምግል ይፍትን

Radio Erena: 30 April 2023
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ‘ብኢጋድ ንዝቐረበ ዘተ ሰላም፣ ብሓሳብ ደኣ ተቐቢልናዮ እምበር፣ ወኪል ኣይለኣኽናን’ ክብል ገሊጹ።
ኣል ቡርሃን ምስ ቴሌቪዥን ኣል-ሑራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ነቲ ኣብ ከተማ ጁባ ክካየድ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም፣ ንህዝቢ ሱዳን ብፍላይ ዘርብሕ ብምዃኑ፣ ክንሰርሓሉ ብሓሳብ ኢና ተሳማሚዕና፣ ካብኡ ሓሊፉ ግና ተዛታዪ ወኪል ከማን ኣይመዘዝናን’ ድሕሪ ምባሉ፣ መጻርርቱ ሓምዳን ዳግሎ፣ ንክላዘብ እውን ድሉው የለን ኢሉ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ኣልቡርሃንን ሓምዳን ዳግሎን ናይ ቴለፎን ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ድሉው ከምዘሎን፣ ሃገሩ ናይ ኣዛታዪ ተራ ክትጻወት ከምእትደልን ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ካልኣይ ሰሙኑ ዝረግጽ ዘሎ ኲናት፣ ሰራዊት ሱዳን ብብዝሒ ናብ ከተማ ካርቱም ይዋፈር ብምህላዉ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ጉድኣት ብዝተዓጻጸፈ ከይዛይድ፣ ስግኣት ከምዘለዎም ወተሃደራውያን ተንተንቲ’ታ ሃገር ይገልጹ።
ወተሃደራት ፈጣን ሓይሊ፣ ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ዝነብረሉ ህንጻታት መዋግኢ ድፋዕ ይሰርሑ ምስ ምህላዎም፣ ህዝቢ’ታ ከተማ ብዋሕዲ ቀረብን መድሃኒትን ይጥቃዕ ምህላዉ ጥራይ ከይኣክል፣ መዳፍዕን ጠያይትን እውን ክዘንቦ የንጠጥይ ከምዘሎ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ይገልጹ።
ሕቡራት ሃገራት፣ ኢጋድ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝርከብዎም ኣህጉራውያን ውድባትን ሃገራትን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዘይቅድመ ኩነት ደው ክብልን፣ ተጻረርቲ ወገናት ጉዳያቶም ብዘተ ክፈትሑን ጸዊዖም እዮም።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0