ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ: መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ

Radio Erena: 30 April 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ብልጽግና፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣፍሊጠን።
ሓላፊ ብልጽግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ግርማ የሺጥላ፣ ናይ ስራሕ ዑደት ገይሩ ናብ ቦትኡ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን፣ 250 ኪሎሜተር ንሰሜን ካብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተቐቲሉ።
ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ ዝኾኑ ነበርቲ’ቲ ከባቢ፣ ንግርማ የሺጥላ ‘የማናይ ኢድ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር’ዩ’ ብምባል ‘ንብሄሩ ዝኸደዐ’ ዝብል ዘለፋታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ከውርዱሉ ጸኒሖም’ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ‘ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ፣ ፈራሃትን ፍልልያቶም ኣብ ክንዲ ብዘተ ብሓይሊ ብረት ዝኣምኑን’ ክብል ኮኒኑዎም።
እቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ‘ጥሩፋት ጉጅለታት’ ኢሉ ሰምዩዎም ዘሎ ዕጡቓት፣ ዛጊት መንነቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ።
‘ምስ ፈደራል ሰራዊት ተጸምበሩ ወይ ከኣ ዕጥቅኹም ፍትሑ’ ንዝብል ብመንግስቲ ዝወጸ ኣዋጅ ዝተቓወሙ ተወላዶ ኣምሓራ፣ ነኣሽቱ ጉጅለታት ፈጢሮም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት እቲ በዓል ስልጣን፣ ነቶም ጉጅለታት እትሃድን ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ ኣሎ።
እታ ሓይሊ ዕማም ካብ፣ ማእከል ስለያን ጸጥታን፣ ፈደራል ሰራዊትን፣ ፖሊስ ፈደራልን ዝተዋጸአት ኮይና፣ ኣብ ምህዳን እቶም ዕጡቓት ክትዋፈር ምዃና ይግለጽ።
ሓያሎ ካብ ኣባላት እቶም ዕጡቓት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትያ ከምዘላ እትገልጽ እታ ሓይሊ ዕማም፣ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ምርካብ መርመራ ጀሚራ ከምዘላ ብወዓዊ ማዕከን ዜና’ታ ሃገር ኣፍሊጣ።
ግርማ የሺጥላ፣ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ብልጽግና ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፣ ንምፍታሕ ዕጥቂ ዞባውያን ምልሻታትን ዕጡቓትን ይጉስጉስ ምንባሩ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0