ቨሮኒካ ኣልመዶም: ኣብ ፈደራላዊ ምርጫ ስዊዘርላንድ ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: Monday, 09 October 2023

ኤርትራዊት ስዊዛዊት ቨሮኒካ ኣልመዶም ሓምላይ ሰልፊ ብምውካል ኣብ ፈደራላዊ ምርጫ ካንቶን ጀኔቫ ትወዳደር ኣላ።

ቨሮኒካ ኣልመዶም ኣብዚ ኣብ ዕለት 22 ናይዚ ወርሒ’ዚ ዝካየድ ምርጫ እንተተዓዊታ ኣብቲ 200 ወናብር ዘለዎ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስዊዘርላንድ ሓደ ወንበር ክህልዋ እዩ።

ቨሮኒካ ኣልመዶም ምስ ሓምላይ ሰልፊን ኦባማ ፋውንደሽን (Obama foundation)ን ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኮይና ኣቐዲማ’ውን ምስ ስደተኛታት ብምስራሕ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኤርትራውያን መንበሪ ወረቐት ክወሃቡን መሰላቶም ክሕለዉ ካብ ዝጸዓሩ ሰባት እያ።

ቨሮኒካ ኣብ ምርጫ እንተተዓዊታ ጸቒጣ ክትሰርሓሉ እትደሊ ሰለስተ መሰረታዊ ኣዕኑድ ማለት ቁጠባ፣ ምዕባይ ዓቕሚ ዕድጊን መሃዝነትን ከምዝኾነ ትሕብር።

ንሳ: ኣብዚ ፋይናንሳዊ ሚዛን ብዋጋታት ንብረት ዝፍተን ዘሎ እዋን፡ ጽልዋኡ ንምንካይ ጭቡጥን ኣገደስትን ስጉምትታት ንምውሳድ: ጽልዋታት ዋጋታት ንብረት ኣብ ሂወት ደቂ ሰባትን ንግድን ብሓሳብን ብብቕዓትን ከም ዝእለ ምግባር ክትሰርሕ ምኳና ትሕብር።

ቨሮኒካ ኣልመዶም ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ምስ ኤርትራውያን ስድራኣ ናብ ስዊዘርላንድ መጺኣ: ኣብ ከተማ ሉዛን ከምኡ’ውን ዩኒቨርስቲ ጀኔቫ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን መራኸቢታትን ኣጽኒዓ ብዲግሪ ተመሪቓ።

ቨሮኒካ ደቂ ሰባት ለውጢ ከምጽኡ እንተኾይኖም ኣኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ክሳተፉ ትመክር: ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካ ድምጽኻ እንተዘየስሚዕካ መጻኢኻ ካልኣት ከምዝውሱኑልካን ክትቅይሮ ሓይሊ ከምዘይህልወካ ትገልጽ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0