ኤርትራ ኣብ ሮቦታዊ ውድድር ሲንጋፑር ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: Monday, 09 October 2023

ኤርትራ ኣብ ሲንጋፑር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ሮቦት ዘድሃበ ናይ ቴክኖሎጂ ውድድር (robetic competition) ትሳተፍ ኣላ።

ንኤርትራ ወኪሎም ዝወዳደሩ ዘለዉ ካብ ከተማ ካልጋሪ-ካናዳ ዝቕመጡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ካናዳውያን ኮይኖም ህያብ ሳምሶን፣ ሩፋኤል ኣብራሃ፣ ኣዶናይ ሃብተ፣ ዮሳን ወልደገብሪኤልን ያቆብ ኢሳቕን ዝብሃሉ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት እዮም።

ቅድሚ ሕጂ ተወዳዳሪት ዝነበረት ንያት ተስፋጋብር ድማ ከም ኣማኻሪት ኮይና ትሳተፍ ኣለ።

እቲ ናይ ኦሎምፒክ ቅዲ ዝሓዘ ውድድር ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝካየድ ኮይኑ ካብ 191 ሃገራት ዝመጹ ይሳተፍዎ ኣለዉ፣ ዕላምኡ ድማ ብስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዝዓጠቑ ናይ ጽባሕ መንእሰያት ንምህናጽ እዩ።

እቲ ብቀዳም 7 ጥቅምቲ ዝጀመረ ውድድር ክሳብ ክሳብ 10 ጥቅምቲ ዝቕጽል ኮይኑ ተወዳደርቲ ሮቦት ብምህናጽ ናይትሮጅን ይእክቡ፣ እቲ ናይትሮጅን ድማ ናብ ተተካኢ ጸዓት ይቕይርዎ።

ዓለምና እናሞቐት ኣብ ትኸደሉ ዘላ እዋን ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ንመጻኢ ከመይ ኢሎም ካብ በካሊ ካርቦን ናብ ተተካኢ ጸዓት ይቕይርዎ ዝያዳ መረዳእታ ክህልዎም እዩ።

እቶም ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ከተማ ጀኔቫ – ስዊዝርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ተሳቲፎም ኔሮም።

እቲ ብFirst Global ዝተባህለ ትካል ዝካየድ ውድድር ዝሓለፈ ዓመት ካርቦን ኣብ ምእካብ ንመጻኢ ናብ ተተካኢ ጸዓት ምቕያሩ ከድህብ እንከሎ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ናይትሮጅን ኣድሂቡ ኣሎ።

ነዚ ንምግባር መንእሰያት ሮቦት ክሃንጹ ዝሕተቱ ብምኳኖም ዝያዳ በዳሂ እዩ።

እዞም መንእሰያት ክረምቲ ምሉእ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ምርምር ከሕልፍዎ እንከለዉ፣ ወለዶም ብዝገበርዎ ጻዕርን ማሕበረሰብ ኤድመንተን ካልጋሪ ‘ውን ኣብ ምትብብዖም ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ካልኦት ማሕበረኮማት ፍሉይ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ የርኢ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0