እስራኤል ኣብ ኲናት

Radio Erena: Monday, 09 October 2023

ብቀዳም 7 ጥቅምቲ ንግሆ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝመደበሩ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ብመሬት ባሕርን ሰማይን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

በቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት ዝዓበየ ከምዝኾነ ዝተነግረሉ መጥቃዕቲ ብደብዳብ ተወንጫፊ ሮኬታት ከምዝጀመረ ቀጺሉ ዕጡቓት ሓማስ ብባሕርን ብመሬትን ንኣሽቱ ዓድታት ተቖጻጺሮም ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት ኣስታት 600 እስራኤላውያን ወተሃደራት ሰላማውያን ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ ጨውዮም ናብ ቃዛ ብምውሳድ ጅሆ ሒዞሞም ኣለዉ።

እስራኤል ከም ግብረመልሲ ኣብ ቃዛ ብዝገበረቶ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 370 ተቐቲሎም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ በቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዝተናውሐ ኲናት ሸሚምዋ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣፈኛ ሓማስ ካልድ ቃዶሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል: ሓማስ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ እስራኤን ንሓያሎ ሓመታት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዘካየደቶ በደል ምኳኑ ገሊጹ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0