ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን፡ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ይበታተኑ ምህላዎም ተገሊጹ

RADIO ERENA – Friday, 10 May 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልላት ኣምሓራን ቤኒሻንጉልጉሙዝን ተዓቚቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታታ፡ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ይበታተኑ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ሱዳን ትሪቡን ንነበርቲ ናይቲ መዓስከራት ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ፡ ብዝተወደቡ ዕጡቓት ዝካየድ ዝምታን ስርቅን ግኑን ኮይኑ ኣሎ፡

ኣብ ርእሲዚ ኣብቲ መዓስከር፡ እኹል መግብ፡ ማእከል ጥዕናን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ስለዘየለ፡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ንሕሰም ተቓሊዖም ከምዘለዉዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ክልል ቤኒ ሻንጉልጉሙዝውን እቲ ኩነታት ተመሳሳሊ ምዃኑ እቲ መርበብ ዜና ጠቒሱ።

ኣብ ሱዳን፡ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ ይግለጽ።

እቶም 27 ሽሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ከባቢታት መተማን ጎንደርን ኣብ ዝተደኮነ መዓስከራት ክዕቆቡ እንከለዉ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ድማ ናብ ክልል ቤኒ ሻንጉል ዝሰገሩ ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት የነጽር።

እንተኾነ ኣብቲ ክልላት ብሰንኪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣትን ዋሕዲ መግቢን መሰረታዊ ነገራትን፡ ኣሽሓት ካብኣቶም ተበታቲኖም ከምዝኸዱ ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ኣገንዚቡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0