ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ኮረና ደው ዝበላ ሚኒባሳት ናይ ብሕቲ፣ መብዛሕተን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክንቐሳቐሳ ኣይከኣላን

RADIO ERENA – Friday, 10 May 2024

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝተኣወጀ ምውሻብ፣ ደው ዝበላ ናይ ብሕቲ ሚኒባሳት ክሳብ እዚ እዋንዚ ክንቀሳቐሳ ከምዘይክኣላ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኣዝየን ብዙሓት ካብተን ሚኒባሳት፣ ካብ ኣስመራ ናብ ኣርባዕቲኡ ብሎኮታት ኣብ ዝወስድ ኣውራ ጽርግያ ተጸጊዐን ደው ኢለን ከምዘለዋ ዩ ኣመልኪቱ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

መብዛሕተን ጎማታታን ወሪዱ ኣብ ኣእማን ተደጊፈን ደው ዝበላየን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ንዘሎ ናይ መጓዓዝያ ጸገማት ክፈትሕ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ብብሕቲ ንዝሰርሑ ናይ ውልቂ ወነንቲ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትንውን ከቢድ ጸቕጢ ከምዝገብረሎም ይፍለጥ።

ርእሰ ከተማ ኣስመራ እትርከበን ሓያሎ ከተማታት ኤርትራ፣ ዝጸንሐን ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ንድሕሪት እናንቆልቆለ፣ ኣብዚ እዋንዚ ብጉልበት ሰብ፣ ኣፍራስን ኣእዱግን ብዝምርሓ ዓርብያን፣ ዝድፍኣ ሰለስተ እግረን ብሽክለታን ወሪዱ ይርከብ።

ህዝቢ፣ ካብ ኣስመራ ናብ ከረን፣ ናይ 85 ኪሎሜተር፣ መጓዓዝያ ንምርካብ ካብ ነዊሕ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት ዝጽበይሉ እዋናት ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ስእሊ፡ – ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0