ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘስግኣ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ናይ ኲናት መራኽባ ዳግም ኣዋፊራ

RADIO ERENA – Friday, 10 May 2024

ኣመሪካ፡ USS Dwight D. Eisenhower (CVN-69) ዝተባህለት ዓባይ ናይ ኲናት መርከብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ከምዘዋፈረታ ሓቢራ።

እታ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን እትስከም መርከብ፡ ኣቐዲማውን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዛ ኣብቲ ክሊ ማይ ተዋፊራ ምንባራ ዝገለጸ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ንተመሳሳሊ ተልእኾ ዳግም ትምለስ ከምዘላ ኣነጺሩ።

ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ደገፍቲ እስራኤልየን ዝበለን ሃገራት ናይ ድሮናትን ሚሳይላትን መጥቃዕታቱ ከምዘሐይል ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋንዩ ኣመሪካ ነዛ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ዝዓጠቐት መርከብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ተዋፍራ ዘላ።

ፈረንሳ፡ ጀርመንን ቤልጁሚን ዝርከብአን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዘዋፈረአን ናይ ኲናት መራኽብ፡ ተልኾአን ከይዛዘማ ከምዝሰሓባ ዩ ክግለጽ ቀንዩ።

ፈረንሳ፡ ኣዋፊራ ዝጸንሐት ፍሪጌት ዝዓይነታ ናይ ኲናት መርከብ ተተኳሲ ወዲኣ ብዝብል ክትስሕባ እንከላ፡ ቤልጁም ድማ ከተዋፍራ ዝወጠነት መርከብ፡ ሚሳይላታ ዓኪሱ ብዝብል ደው ኣቢላታ።

ጀርመን ውን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ መራኽብ ኲናታ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትስሕብ እንከላ፡ ቅያር ካልእ ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንድሮናትን ሚሳይላትን ሑቲ ንምምካት ብንጡፍ ዝዋስኣ ዘለዋ ኣመሪካን ብሪጣንያንየን።

ምውፋር ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ድማ ንስርሒታተን ብዝያዳ ኣድማዒ ክገብሮ ከምዝኽእል ይትንተን።

USS Dwight D. Eisenhower (CVN-69)፡ ኣመሪካ ካብ እትውንነን 11 ዓበይቲ መራኽብ ኲናት ሓንቲ ያ።

እታ 10ታት ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን እትስከም መርከብ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ቀይሕ ባሕሪን ብጠቕላላ ንልዕሊ 200 መዓልታት ኣብ ወፍሪ ከምዘላዩ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ሓቢሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0