ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 03 November 2020

ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታውን መደባት ብዝሓየለ መልክዑ ንምትሕግጋዝ ዘኽእለን ስምምዕ ኣካይደን።

እቲ ስምምዕ ዝተኻየደ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ጀነራል ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ መሓመድ ዖትማን ሑሰን፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ግብጽን ሱዳንን ብዓይነትን ብዝሕን ተመሓይሹ ክትርእይዎ ኢኹም ክብል መግለጺ ሂቡ።

ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ዝተሰረዘት ሱዳን፣ ነቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ብእገዳ ተዳኺሙ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ዓቕማ ዳግም ብዘመናዊ መልክዕ ንምህናጹ፣ ከም ቀንዲ ተሓጋገዝቲ ካብ ዝጠመተተን ሃገራት ሓንቲ ግብጺ’ያ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ናብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ብኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ግብጺ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክትሰማማዕ ዘይክኣለት ግብጺ፣ ምስ ንሱዳን ብወትሃደራውን ካልእን ምትሕግጋዝ ኣብ ጎና ንምስላፍ ከምእትሕልን ተንተንቲ የረድኡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0