ካብ ህድማ ተጻወቲ ዘየዕረፈት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ዝመጽእ ሳምንታት ኣብ ታንዛንያን ርዋንዳን ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 03 November 2020

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ኣብ ታንዛንያን ርዋንዳ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ኣብ ናይ ትሕቲ 20ን 17ን ዓመታት ክትሳተፍ’ያ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ – ሴካፋ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ታንዛንያ፣ ከተማ ኣሩሻ ብዘውደቖ ዕጫ መሰረት ኣብቲ ካብ 22 ሕዳር ክሳብ 6 ታሕሳስ፣ ኣብ ታንዛንያ ዝካየድ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት መንእሰያት፡ ኤርትራ፡ ኣብ ጉጅለ “ለ”፡ ምስ ብሩንዲ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ተመዲባ ኣላ።

ኣአንጋዲት ሃገር ታንዛንያ፡ ርዋንዳ፡ ሶማልያን ጅቡቲን ኣብ ጉጅለ “ሀ”፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሱዳንን ድማ፡ ኣብ ጉጅለ “ሐ” ይርከባ።

ኣብ’ዚ ውድድር ዝዕወታ 2 ሃገራት፡ ኣብ 2021 ኣብ ሞውሪታንያ ኣብ ዝግበር ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ትሕቲ 20 ዓመት ነዚ ዞባ ወኪለን ክሳተፋ እየን።

ሴካፋ ብዘይካ’ዚ፡ ካብ 13 ክሳብ 28 ታሕሳስ፡ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ውድድር ኩዕሶ እግሪ’ውን ኣብ ርዋንዳ ክካየድ ሰሪዑ ኣሎ።

ኣብዚ ምድብ’ዚ፡ ኤርትራ ኣብ ጉጅለ “ሀ” ምስ ኣአንጋዲት ሃገር ርዋንዳን ደቡብ ሱዳንን መጻረዩ ግጥማታ ከተካይድ’ያ።

ኡጋንዳ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን፡ ኣብ ጉጅለ “ለ”፡ ሃገራት ሱዳን፡ ጅቡቲን ታንዛንያን ድማ፡ ኣብ ጉጅለ “ሐ” ይርከባ።

ኣብዚ ግጥም’ዚ፣ ቀዳመይን ካልአይትን ዝወጻ 2 ዕዉታት ሃገራት፡ ከም ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝእንገድ ዋንጫ ኣፍሪቃ ትሕቲ 17 ዓመት ንዞባ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ወኪለን ክወዳደራ’የን።

ተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ ዘጋጠማ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ካብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ጽቡቕ ገስጋስ ከተርኢ እኳ እንተኸኣለት፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙናት ዝካየድ ግጥማት’ውን፣ ዝዓበየ ብድሆኣ፣ ስዕረት ወይ ዓወት ዘይኮነ፣ ከም ናይ ወትሩ ብእኩብ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥማ ምዃኑ ኣፍቀርቲ ስፖርት ስክፍትኦም ይገልጹ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0