ኣብ ኦሮምያ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ 10ታት ሰባት ከምዝተረሸኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 November 2020

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ’ውን፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ 10ታት ሰባት ተቐቲሎም።

ነቲ ቅትለት፣ ኣብቲ ዞባ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ፣ ብ “ሸኔ” ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ኦሮሞ ከምዝፈጸሞ ዝወቐሱ ሓያሎ ወገናት፣ ኣብ ሓደ ከባቢ ንዝነብሩ ተወላዶ ኣምሓራ ንዝኾኑ ሰባት ፈልዩ ከምዝረሸኖም ኣመልኪቶም።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቶም ናይ ጥፋኣት ሓይልታት ዝበሎም ዕጡቓት፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘስካሕክሕ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ብምውቃስ፣ ሓይልታት ጸጥታ ንምህዳሞም ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ’ውን ናይ ጸጥታ ሃጓፍ ኣጋጢሙ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ፣ ብብልጽግና ሰልፊ ዝቖመ መንግስቲ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ንካልእ ክልላት እታ ሃገር፣ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸርን ጸጥታ ከውሕስን ከምዘይክኣለ ይውቀስ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0