ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት ክሩሻት ምዃኖም ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

RADIO ERENA:- Friday , 01 March 2024

“ቅድሚ ሕጂ ስብሒ ወይ ልዕሊ ክብደት ከም ጸገም ሃብታማት ጌርና ክንሓስብ ጸኒሕና። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ናይ ዓለም ጸገም እዩ” ክብል ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓላፊ ኣመጋግባ ፍራንቸስኮ ብራንካ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ መጠን ስብሒ ንምምካት ዝሕግዝ ነጥብታት ምትእትታው ማለት፣ልዑል ትሕዝቶ ሽኮር ዘለዎም መግብታት ዝለዓለ ግብሪ ምኽፋልን ጥዕናዊ መግቢ ኣብያተ ትምህርቲ ምድንፋዕን ዝኣመሰሉ ስጉምትታት ምትግባር ከምዘድሊ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ፡ ነዚ ንምትግባር ምትሕብባር ውልቃዊ ጽላት ዝሓትት ኮይኑ፡ ንጥዕናዊ ጽልዋታት ፍርያቶም ተሓተትቲ ክኾኑ ኣለዎም” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ብዙሓት ከበድቲ ጸገማት ጥዕና ዝተኣሳሰር ምዃኑ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣህጉራዊ ጉጅለ ተመራመርትን ዝተገብረ እዋናዊ መፅናዕቲ ይሕብር።

ካብ 1990 ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ክሩሻት ወይ ድማ ልዕሊ ክብደት ዝኾኑ ሰባት ኣብ መንእ ሰያት እቲ ቁፅሪ ዕጽፊ ክኸውን እንከሎ ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 9 ዘለዉ ቆልዑ ድማ እቲ ቁጽሪ ናይ 4 ዕጽፊ ዕቤት ኣርእዩ

እዚ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 190 ሃገራት ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 220 ሚልዮን ሰባት ዝተረኽበ መረዳእታ ዝተመርኮሰ እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0