ቀይሕ ባሕሪ: ሑቲ ዝሃረሙዋ መርከብ ጥሒላ

RADIO ERENA:- Monday ,04 March 2024

‘ሩቢማር’ ዝተባህለይ ዋንነታ ናይ ብሪጣንይ ዝኾነት መርከብ ብዑጡቓት ሑቲ-የመን ብሚሳይል ድሕሪ ምህራማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ባብ-ኤል መንደብ ከምዝጠሓለት ተገሊጹ::

እታ ናይ ጽዕነት መርከብ ቅድሚ ብክልተ ሚሳይል ድሕሪ ምህራማ ኣባላታ ራሕሪሖማ ከምዝኸዱ በብቅሩብ ማይ ከተልሑኽ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝጠሓለት ተፈሊጡ::

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ዝግበር ዘሎ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ ናይ እስራኤል እየን ዝበለተን መራኽብ መጥቁዕትን ክርሰናን ከካይድ ጸኒሑ::

መርከብ ‘ሩቢማር’ ብመጥቃዕቲ ሑቲ ዝጠሓለት ናይ መጀመርታ ኮይና ኣብ ቁጠባን ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶን ቀይሕ ባሕሪ ዕንወት ከተኸትል ምኳና ተገሊጹ::

ሓያሎ መራክብ ካብ መጥቃዕቲ ንምድሓን ብቀይሕ ባሕሪ ምሕላፍ ብምውጋደን ጥራይ ኣብ ግብጺ ናይ ሚልዮናት ዶላራት ክሳራ የውርድ ኣሎ: ንቁጠባ ዓለም’ውን ብኣሉታ ጸልይኦ ኣሎ::

ቀይሕ ባሕሪ 23 ሚእታዊት ናይ ንግዲ: 25 ሚእታዊት ድማ ናይ ነዳዲ ሓልፈሉ ብምኳኑ ንቁጠባ ዓለም ክጸልዎ እንከሎ ግብጺ ድማ ብመትረብ ስዊዝ ካብ ዝሓልፊ መራኽብ ክትረኽቦ ዝነበራ ኣታዊ ተጓዲሉዋ ኣሎ::

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0