ሑቲ ንኤውሮጳ ምስ ኤስያ ዘራኽቡ ኣርባዕተ ገመዳት ርክብ ትሕቲ ባሕሪ የዕንዩ

RADIO ERENA:- Friday , 01 March 2024

ሑቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ብብሪጣንያ እትውነን ናይ ጽዕነት መርከብ ብሚሳይል መጥቃዕቲ ምሰካየደ፣ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ጅቡትን ኣብ ዝርከብ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ኣርባዕተ ገመዳት ርክብ ሳብማሪን ከምዘዕነወ ማዕከን ዜና ግሎብስ እስራኤል ሓቢራ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሞንጎ ኤውሮጳን ኤስያን ናይ ርክብ ምዝንባዕ ከምዘኸተለ ተገሊጹ።

መንግስቲ የመን ኣብዚ ወርሒ’ዚ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከቡ ገመዳት ኢንተርነት ንምዕናው ይጽዕሩ ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ ኔሩ።

እቶም ገመዳት ዋንነት ኩባንያታት AAE-1፣Seacom፣ EIG ከምኡ ውን TGN ምዃኖም ይግለጽ።

ገለ ገመዳት ኢንተርነት መጥቃዕቲ ስለዘይበጽሖም ግን እቲ ጉድኣት ወሳኒ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።

EIG (European India Gateway) ንደቡብ ኤውሮጳ ምስ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ጅቡቲ፣ ኢማራት ዓረብን ህንድን የራኽብ።

እዚ ናይ ትሕቲ ማይ ገመድ ብ700 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ዝተነጽፈ ኮይኑ፣ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ህንዲ ዝዝርጋሕ ናይ መጀመርታ ገመድ ምዃኑ ግሎብስ ሓቢሩ።

ቲጂኤን ኣትላንቲክ ገመድ ኣብ 2005 ናብ ህንዳዊ ኩባንያ ታታ ኮሚዩኒኬሽንስ ብ130 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ።

AAE-1 ድማ ኣብ ካልኢት 40 ቴራባይት ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ፣ ንቻይና ብፓኪስታንን ቀጠርን ኣቢሉ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት የራኽባ።

መስመር ርክብ ገመድ ሲኮም ድማ ንኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃን ህንድን ከምኡ’ውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዘራኽብ እዩ።

ነዚ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝነበረ መሳርሒታት ንምጽጋን ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእል ክግለጽ ከሎ ሑቲ መጥቃዕትታቱ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ድማ እቲ ናይ ምጽጋን መስርሕ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን 18 ዒላማታት ሑቲ ኣጥቂዖም።

ሑቲ ካብ 19 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብውሕዱ 57 መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳውን ወተሃደራውን መራኽብ ከምዘካየዱን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ድማ መጥቃዕትታቱ ከምዘዛየደ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0