ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ሓሙሽተ ሄሊኮተራት ሱዳንን 26 ኣብረርተንን ተለቒቖም

ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ሓሙሽተ ሄሊኮተራት ሱዳንን 26 ኣብረርተንን ተለቒቖም

Radio Erena: 27 October, 2014

Sudan Heli

ኢትዮጵያ፣ ብዘይፍቓድ ክሊ ኣየራ ጥሒሰን ንዝኣተዋ ሓሙሽተ ሄሊኮፕተራት ሱዳን 26 ኣብረርትን፣ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝለቐቐቶም ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ገሊጻ።

እተን ስርሓት ሩስያ ዝኾና ሓሙሽተ ሄሊኮፕተራት፣ ኣብ ሱዳን ብዝመደበሩ ናይ ብሕቲ ኩባንያ ዝውነና ኮይነን፣ ኣብረተን ከኣ ዜጋታት ምብራቕ ኤውሮጳ ምዃኖም’ዩ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እተን ካብ ሱዳን ዝተበገሳ ሄሊክፕተራት ብክራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምሃብ ናብ ታንዛንያንያ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበራ እዋን፣ ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታወን ብኣሃዱ ጸረ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ተገዲደን ኣብ ባህር ዳር ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓለባ።

 

እተን ሄሊኮፕተራት ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣተዋሉ ናብ ዝቀረበን መዓርፎ ነፈርቲ ባህር ዳር ነዳዲ ንምምላእ እኳ እንተኾነ፣ ብኣሃዱ ጸረ ነፈርቲ እታ ሃገር ሓበሬታ ክህቡ ኣብ ዝተሓተትሉ ዝኾነ መልሲ ክህቡ ብዘይምኽኣሎም’ዮም ከም ተጻባእቲ ተራእዮም ብህጹጽ ክዓልቡ ዝተገደዱ።

ሱዳን ብመንገዲ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኣ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ምዝርራብ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፣ እቶም ሓሙሽተ ሄሊኮፕተራትን 26 ኣብረርተንን ክልቐቑ ዝኸኣሉ።

ኣብ 2001፣ ካብ ኤርትራ ተበጊሳ ናብ ሞዛምቢክ እትመርሕ ዝነበረት ናይ ጽዕነት ነፋሪት፣ ብመንገዲ ትግራይ ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዋ፣ ካብ ኣሃዱ ጸረ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ብዝተተኮሰላ ሚሳይል ተሃሪማ ከምዝተሓምሸሸትን’ውን እቲ ማዕከን ዜና ንምንጭታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣዘኻኺሩ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0