ተቖጻጻሪ ጉጅለ መጽናዕቱ ኣብ ኤርትራ ንምክያድ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ክገብር ጸዊዑ

ተቖጻጻሪ ጉጅለ መጽናዕቱ ኣብ ኤርትራ ንምክያድ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ክገብር ጸዊዑ

Radio Erena: 27 October, 2014

UNMG

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ንኣልሸባብ ዝኾነ ወትሃደራዊ ሓገዝ ከምዘገበረ መርትዖ ከምዘይረኸበ ዘረጋጋጸ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ መጽናዕቱ ከካይድ ምትሕብባር ክግበረሉ ጸዊዑ።

እቲ ንኤርትራን ሶማልን ክቆጻጸር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጉጅለ ነዚ ዝገለጸ፣ ዘካይዶ ዘሎ ሓበሬታ ናይ ምእካብን መጽናዕትን ዕማም ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ብዓርቢ 24 ጥቕምቲ ኣብ ዝተወሰነሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ክኢላታት እቲ ጉጅለ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፓሪስን ካይሮን ርክብ ከምዘካየዱ ዘዘኻኸረ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፣ እዚ ኣኻሊ ብዘይምዃኑ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከካይድ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባሩ ከርኢ ጸዊዑ።

 

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣቐዲሙ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ንዝርከብ ኣልሸባብ ወትሃደራዊ ሓገዝ ይህብ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይረኸበ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ መንግስቲ ንሶማላውያን ጉጅለታት ናይ ምሕጋዝ ተኽእሎ ከምዘሎ ብምእንፋት ግና ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ’ዩ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ጉጅለ፣ ብዛዕባ’ቶም ደሃይ ዘይብሎም ዝበሃሉ ዘለዉ 17 ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋቶም ከፍልጥ ጸዊዑ ኣሎ።

ንዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይሕግዝ ከምዘሎ ኣብ ጸብጻቡ ዘቕረበ እቲ ጉጅለ፣ ኣብዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዕማም፣ መጽናዕቱ ኣብ ኤርትራ ከካይዶ’ዩ ዝደሊ።

እቲ መንግስቲ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ምትሕብባር ብምሕንጋዱን፣ ክኢላታት መጽናዕቲ ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ብምኽልካሉን፣ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ መጽናዕታትን ዝተኣከበ ሓበሬታን ኣብ ስደት ኣብ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን’ዩ።

ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ክልተ እዋን እገዳ ዝተነብረሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ እገዳ ክልዓለሉ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ንምክያድ ዝፍትን እኳ እንተኾነ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ መጽናዕታቱ ከካይድ ግና ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ዕማም ተቖጻጻሪ ጉጅለ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን ካብ 15 ኣባላት ሃገራት ባይቶ፣ እተን 13 ደገፈን ክህባ እንከለዋ፣ ሩስያን ዮርዳኖስን ግና ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0