ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኢትዬጵያን ሶማሊላንድን ንዝኸተምኦ ስምምዕ ገማግም ባሕሪ ኮኒኑ

Radio Erena: Monday, 08 January 2024

ጂብቲ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ሶማል፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝርከብኦ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳርን ዝኸተሞ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ብወግዒ ኮኒኑ።

እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነደ፣ ንሉኣላውነት ሶማል ዝግህስን፣ ሶማል ንዘላቶ ተኣፋፊ ኩነታት ዝመዝመዘ፣ ዘይሕጋዊ ስጉምቲንውን ክብል ነቐዲፉ።

እቲ ኢትዬጵያ፣ ታሪኻዊሰምያቶ ዘላ ስምምዕ፣ ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጠሓሰዩ ዝበል ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ከም ሃገር እፍልጢ ከምዘይትህብ ዘነጸረት ኣመሪካውን ኣቐዲማ ነቲ ስምምዕ ኮኒናቶያ።

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ እቲ ስምምዕ ክፈጥሮ ዝኽእል ወጥሪን ዘለዎ ስክፍታን ስግኣት እኳ እንተዘይገለጸ፣ ብወግዒ ግና ኣይኮነኖን።

ልሙስእናትበህለ ዝግለጽን፣ ብሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካልኦት ግዳማውያን ሓይልታትን ዝምወልን ሕብረት ኣፍሪቃ ግና ኣብዚ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፣ ኣባሉ ንዝኾነት ሃገር ዝፈታተን ስምምዕ፣ ተሪር መርገጺ ክወስድ ኣይተራእየን።

ኢትዬጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣፍልጦ ንምሃብ ዘንቐደ ምስታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ነቲ ድሮብግጭት፣ ደርቂን ድኽነትን  ልሉይ ዝኾነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝበኣሰ ነውጺ ከየእትዎ ይስጋእ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0