ብወገን ራማን ዛላምበሳን ተጀሚሩ ዝነበረ ናጻ ምንቅስቓስ ዳግማይ ድሕሪ ምዕጻዉ፣ ኣብ ኤርትራ ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ይንህር

ብወገን ራማን ዛላምበሳን ተጀሚሩ ዝነበረ ናጻ ምንቅስቓስ ዳግማይ ድሕሪ ምዕጻዉ፣ ኣብ ኤርትራ ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ይንህር

Radio Erena: 30 December 2018

eri borderብወገን ራማን ዛላምበሳን ተጀሚሩ ዝነበረ ናጻ ምንቅስቓስ ዳግማይ ድሕሪ ምዕጻዉ፣ ኣብ ኤርትራ ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራትን ናይ ህንጻ መሳርሒ ኣቑሑን ይንህር ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ናህሪ ዋጋታት ካብ ፍርቂ ክሳብ ዕጽፊ ዝበጽሕ ምዃኑ ዝሓበሩ ምንጭታትና፣ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ነዚ ንምቁጽጻር ሕግታት የውጽእ ከምዘሎ ገሊጾም።

በዚ መሰረት ክሳብ ዕለት 26 ታሕሳስ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ዝኣተዉ ኣቑሑ ዋጋ በቲ ዝነበሩዎ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ክሽየጡ፣ ምኽዛን ጀሚሮም ዘለዉ ናይ ብሕቲ ነጋዶ ከኣ እንተተረኺቦም ከቢድ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ዝገልጽ ምልክታታት ኣብ ከተማ ኣስመራ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብወገን ዓሰብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዶብ ብኣንጻሩ፣ ገና ከምዘይተዓጽወን ናጻ ምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ይካየድ ከምዘሎ፣ እንተኾነ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝኾነ ንብረት፣ ናብ ካልእ ክፋል ኤርትራ ክጎዓዝ ከምዘይክእልን፣ ነጋዶ ካብ ከባቢ ጢዖ ከምዝምለሱ ይግበር ከምዘሎን ተሓቢሩ።

ንሃገራት ምዕራብ ንምዕሻው ኢሉ ግዚያዊ ናይ ዶብ ናጻ ምንቅስቓስ ከምዝፈቐደ ዝንገረሉ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ወግዓዊ ኣዋጅ፣ ዶብ ክኸፍትን ክዓጹን ይረኣይ ብምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታትና ይገልጹ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0