ሓለፍቲ ስለያን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሱዳንን ግብጽን ተመያይጦም

ሓለፍቲ ስለያን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሱዳንን ግብጽን ተመያይጦም

Radio Erena: 31 December 2018

Sudan Egypt security

ሓለፍቲ ስለያ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ህሉው ጸጥታዊ ኩነታት ክልቲኤን ሃገራት ንምምይያጥ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ርክብ ኣካይዶም።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ብ27 ታሕሳስ ዝተኻየደ ርክብ ሓለፍቲ ስለያ ሱዳንን ግብጽን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ ዘተ ከምዘካየዱ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ኣረጋጊጸን።

ዕላማ እቲ ርክብ ሓለፍቲ ስለያን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ክልቲኤን ሃገራት ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣቐዲሞም ዝተጀመሩ ዲፕሎማስያውያን ጸጥታን ምትሕግጋዛት ናብ ግብሪ ንምስግጋሮም ዝዓለም ምዃኑ ይግለጽ።

ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብ፣ ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ወሽመጥ ሃገራት ዓረብ ዘጋጠመ ምክፍፋልን ከሰሓሕባን ዝጸንሐ ሱዳን ግብጽን ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ካርቱም ዝምድንኣአን ጠቕሊሉ ናብ ምብታኽ ገጹ በጺሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ርክባት ዲፕሎማሲ ናብ ንቡር ክመልሱ እንከለዉ፣ ዝያዳ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ንምኽዕባትን ብደረጃ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ወትሃደራውያን ሓለፍትን ርክባት ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እዚ ብሓላፊ ስለያ ግብጺ ጀነራል ከማል ዓባስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሾክሪን ዝተወከለ ርክብ’ውን መቐጸልታ ናይዚ ምዃኑ ይግለጽ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ናብ ካርቱም ዝበጽሕ ዘሎ፣ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕብታት ካልኣይ ሰሙን ሒዝሉ ኣብ ዘሎ ግዝያት’ዩ።

መንግስቲ ግብጺ ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ኣል በሽር ደው ከምዝብል’ውን ብኣጋጣሚ ዑደት ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ናብ ካርቱም ገሊጹ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0