ኢትዮጵያ፣ 35 ዶክተራት ወለንታዊ ኣገልግሎት ክገብሩ፣ ናብ ኤርትራ ልኢኻ

ኢትዮጵያ፣ 35 ዶክተራት ወለንታዊ ኣገልግሎት ክገብሩ፣ ናብ ኤርትራ ልኢኻ

Radio Erena: 30 December 2018

Ethi doctors to Eriኢትዮጵያ፣ 35 ናይ ሕክምና ዶክተራትን፣ ኣርባዕተ ክኢላታት ሕክምናን ወለንታዊ ኣገልግሎት ክገብሩ፣ ናብ ኤርትራ ልኢኻ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ማዕከን ሓበሬታ ፋና ኣብ ዝዘርገሖ ዜና፣ እቶም ወለንታዊ ኣገልግሎት ሕክምና ክገብሩ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ዶክተራትን ስፐሺያሊስትስን፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ስነስርዓት ምምራቕ’ቶም ሓካይም፣ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልያን ተረኺቦም ምንባሮም ይዝከር።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብወገኑ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሕጂ’ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓካይም ብምልኣኽ፣ ናይ ተመኩሮ ምልውዋጥ ምዕዛዝ ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

ገለ ካብቶም ወለንተኛታት ሓካይም ብወገኖም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከነገልግል፣ ሓበንን ኩርዓትን ይስመዓና፣ ክብሉ ገሊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ ንመላእ ሃገር ተገልግል ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ ናብ ነኣሽቱ ናይ ሞያዊ ስልጠና ኮሌጃት ገይሩ ድሕሪ ምጉዝዛዩ፣ ከምኡ’ውን ምስ ምሕደራ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፣ መነባብሮን ብዝተኣሳሰር፣ ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ናይ ኩሉ ዓይነት ሞያተኛታት ክረአ ጸኒሑ’ዩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0