‘ብኤርትራ ዝተታሕዘ ከባቢታት ትግራይ ኣጻሪና፣ መፍትሒ ንምንዳይ ብዕምቖት ንሰርሕ ኣለና’ ሚ/ምክልኻል ኢትዮጵያ

RADIO ERENA – Wednesday, 06 March 2024

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ብኤርትራ ዝተታሕዘ ከባቢታት ትግራይ ብምጽራይ፣ መፍትሒ ክርከበሉ ብዕምቆት ይስርሓሉ ከምዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊጹ።

ንሱ ምስ መንግስታዊት ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ድሕሪቲ ምስ ህወሓት፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ናይ ትግራይ ይኹን ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ፣ ዘይተመልሰ እንተሎ፣ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝተዋጽኡ ሰብ ሞያ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ከባቢታት ሓበሬታ ብምእካብ፣ መፍትሒ ንምንዳይ ስርሓሉ ምህላዉ ዩ ኣስሚርሉ።

ኤርትራ፣ ብመንገዲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ዝሓለፍ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ናይ ኤርትራ ቦታታት ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ እቲ ሰራዊት ክሳብ እዚ አዋንዚ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ከምዝርከብ ብዝተፈላለዩ ኣካልት ንዝቐረብ ሓበሬታ ነጺጋቶያ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ሒዝዎ ኣሎ ዝብሃል ከባቢታት ትግራይ እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ ተታሒዙ ዝብሃል ዓድታት ንምምላስ ግና ሓበሬታ ብምእካብ ብምዕምቖት ይሰርሑ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ብሰንኪቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ዝተኻየደ ኵናት ትግራይ፣ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ዝርከብ ህዝቢ ነናብ ቦትኡ ንምምላስ፣ ካብቶም ብዝልዓለ ትዅረት ዝስርሓሉ ዘሎ ስምምዓት ፕሪቶርያ ምዃኑ ዩ እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ብፍላይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ ከባቢታት ወልቓት – ሑመራ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዓመቱ ሓሊፉ፣ ክሳብ እዚ እዋንዚ ናብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክምለስ ስለዘይክኣለ፣ ተመዛቢሎም ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ እቲ ዞባ ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ ዛጊት ናብ መነባብርኦም ኣይተመልሱን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0