ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ህጹጽ ምውፋር ሳድክ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጸዊዑ

RADIO ERENA:- Wednesday, 06 March 2024

እቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ነዚ ንምትግባር ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ማሕበረሰብ ዓለምን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድሊ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ “ህጹጽ ተኹሲ ደው ምባል፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝመሓላለፈሉ መስመራት ምፍጣርን ህጹጽ ምውፋር ሳድክን ጸዊዑ።

እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝተበጽሐ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ኩነታት ምብራቓዊ ኮንጎን ምውፋር ናይቲ ብሳሚድርክ ዝፍለጥ ተልእኾ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኮንጎን ንምዝታይ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘካየዶ ቨርቹዋል ኣኼባ’ዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ንM23፣ ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኡጋንዳ (ኤዲኤፍ)፣ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ንሓርነት ሩዋንዳን ካልኦት ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዕንወት ዘውርዱ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታትን ድማ ክኹንን ከሎ ንልኡላውነትን ሓድነትን ኮንጎ ንምውሓስ ዘለዎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ተልእኾ ምርግጋእ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮንጎ (ሞኑስኮ) ካብ ምብራቓዊ ኮንጎ ደረጃ ብደረጃ ምውጻእ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እዩ፣16 ኣባላት ዝሓቖፈ ሳድክ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዝካየድ ተልእኾ ከሳልጥ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2023 ኣጽዲቑዎ።

እቲ ሓይሊ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ማላዊን ታንዛንያን ዝመጹ ሰራዊት ዝሓቖፈ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ርዋንዳ ነዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወስደ ውሳኔ ነጺጋቶ።

ሩዋንዳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ደሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ዕጡቓት ንምጥቃዕ ንዝተዋፈሩ ሰራዊት ሳድክ ምሕጋዝ ደው ከብል ሓቲታ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳ ቪንሰንት ቢሩታ ንኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፣ ብዛዕባቲ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣካል ዕላማታቱ ንዝኾነ መደብ ምውፋር ሳድክ ዝምልከት እቲ ሓይሊ “ነቲ ግጭት ከጋድዶ’ዩ” ብምባል ስክፍታታቱ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ኤም23ን ሰራዊት ኮንጎን ኣብ ከተማ ሳኬ (ካብ ርእሰ ከተማ እታ ኣውራጃ ጎማ 20 ኪሎ ሜተር ርሒቓ) ትርከብ ውግእ ብምክያዱ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ተፈሊጡ።

ኮንጎን ምዕራባውያን ሃገራትን ንሩዋንዳ ንM23 ትድግፍ ኣላ ኢለን ይኸስሳ፣ መንግስቲ ርዋንዳ ግን ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ጸኒሑ`ሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0