ቀይሕ ባሕሪ፣ ብኣመሪካዊ ኩባንያ እትውነን መርከብ ተጠቒዓ

RADIO ERENA – Wednesday, 06 March 2024

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብኣመሪካዊ ኩባንያ ከም እትውነን ንዝተነግረላ ናይ ደረቕ ጽዕነት መርከብ፣ ብዝተፈነወላ መጥቃዕቲ፣ ገለ ክፋላ ከምዝተቓጸለ ተሓቢሩ።

እታ True Confidence ዝተሰምየት መርከብ፣ መንገዳ ክትቅይር ብሓይሊ ባሕሪ የመን መምርሒ ተዋሂቡዋ ምንባሩ ዝሓበረ ኣምበሪ ዝተባህለ ትካል ምእካብ ሓበሬታ ጸጥታ ባሕሪ፣ ድሒሩ ግና ኣብ ልዕሊኣ ብዝዓለመ ሚሳይል፣ ገለ ክፋላ ከምዝተፈንጀረ ብረቡዕ 06 መጋቢት ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ካብ ከተማ ዓደን105 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቑዩ ተኻይዱ።

ገለ ካብ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ክኢሎም ኣለዉ።

ዝቖሰሉ ወይ ዝተቐትሉ ከምዘለዉ ድማ ይስማዕ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ዝጽውዕ ሑቲ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ መራኽብ ሚሳይላት ምውንጫፍ ብዝልዓመ መልክዑ ቀጺልዎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሑቲ ዘጥቃዓ፣ ቀመማት ዝጸዓነት ናይ ብሪጣንያ መርከብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምጥሓላ ይዝከር።

ኣብ ርእሲዚ ሑቲ ፈጺምዎ ብዝተባህለ ስርሒት ከምዝተበትከ ዝግለጽ ዘሎ፣ ብትሕቲ ባሕሪ ዝተዘርግሐ ኣርባዕተ ዓበይቲ ገመዳት ርክባት ብምብታኹ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ገለ ክፋል ኤስያን ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ዓለምና ምስንኻል ኢንተርነትን ኣህጉራዊ ርክባትን ከምዘስዓበ ይሕበር።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0