ብቀዳም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ ዝተኸብረሉ፤ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን፤ ናይ ኮፍ ብምባል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ

Radio Erena: 10 July 2022
ትማሊ ቀዳም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ ዝተኸብረሉ፤ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን፤ ኣብ ኣገደስቲ ቦታታት መንግስቲ ኮፍ ብምባል ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ ውዒሉ።

እቲ ብዘይዕረፍቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ሱዳን፤ ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣኑ ክገድፍ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ኔሩ።

ኣል ቡርሃን፤ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፤ እቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፤ መዝነቱ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ’ዩ። እንተኾነ ማሕበራት ሰብ ሞያ’ታ ሃገር፤ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጀነራል እምነት ከምዘይብሎም፤ ውሳነ ኣል ቡርሃን ከኣ ዘይንጹርን ቅንዕና ዝጎደሎን እዩ ብምባል እዮም ገሊጾሞ።

እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ብዕልዋ ስልጣን ካብ ዝሓዘላ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት፤ ሓይልታት ጸጥታ፤ ህይወት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ወሲዶም እዮም። ክሳብ ሕጂ ብመንግስቲ ተዋሂቡ ዘሎ ወግዓዊ ቁጽሪ ምዉታት 114 እዩ።

እዞም ኣብ በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ሱዳናውያን፤ ‘ኣል ቡርሃን ዋላ ስልጣኑ እንተገደፈ’ውን፤ ቀተልቲ’ቶም ንጹሃን ሰባት ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርቡ፤ ኣብያና ክንቅጽል ኢና’ ክብሉ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ቃሎም ሂቦም።

ኣብቲ ኮፍ ብምባል ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ናይ’ቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ስእልታት ተዘርጊሑ ውዒሉ።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ኢጋድ ኮነ ካልኦት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ኣይተረኽቦን።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0