መራሕቲ ሃይማኖት ኬንያ፤ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ናዕቢ ከይለዓል፤ ሓድሽ ጎስጓስ ጀሚሮም

Radio Erena: 10 July 2022

መራሕቲ ሃይማኖት ኬንያ፤ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ናዕቢ ከይለዓል፤ ሓድሽ ጎስጓስ ጀሚሮም።

እቶም ካብ 21 ቤተ እምነታት ዝተዋጽኡ መራሕቲ ሃይማኖት ጎስጓስ ኣብ ዝጀመሩሉ፤ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ ዝደለዮ መራሒ ክመርጽ ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ኬንያታ፤ ብተወሳኺ ‘ገለ ሕጹያት ተወዳደርቲ፤ ክዕወቱ ክብሉ ሓሶት ኣብ ምንዛሕን፤ ኣብ ህዝቢ እምነት ከምዝጠፍእን ይገብሩ ኣለዉ’ ክብል ከሲሱ።

ኬንያታ፤ ንመን ይኸስስ ከምዘሎ ብንጹር ስም ኣይጥቀስ እምበር፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ምኽትሉ ኣብ ዘሎ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዊልያም ሩቶ እምነት ከምዘይብሉ ገሊጹ’ዩ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፤ ህዝቢ ክመርጽ እንከሎ፤ ውልቀሰባት ደኣ’ምበር ሓደ ብሄር ምሉእ ይመርጽ ከምዘየሎ ክዝክር ይግባእ ኢሎም።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ስዒቡ ዝኽሰት ግጭት ብሄራት፤ ህይወት ኣማኢት ሰባት እዩ ክወስድ ጸኒሑ።

ሕጹያት ተወዳደርቲ ዊልያም ሩቶን ራይላ ኦዲንጋን፤ ቁጠባ ኬንያን ኣብታ ሃገር ብናህሪ ዝውንጨፍ ዘሎ ዋጋ መነባብሮን መሰረት ብምግባር እዮም ዝጉስጉሱ ዘለዉ። እንተኾነ ዝበዝሐ ካብቲ ከነመሓዪሾ ኢና ኢሎም ቃል ዝኣትዉዎ ዘለዉ መብጽዓታት ክትግበር ዘይክእል’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0