መርማሪት ጉጅለ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ኤርትራ፤ ስርሓ ክትቅጽል፤ ዕድመ ስልጣና ብሓደ ዓመት ተናዊሑ

Radio Erena: 10 July 2022

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ዝቖመት መርማሪት ጉጅለ፤ ዕድመ ስልጣና ብሓደ ዓመት ተናዊሑ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብሸውዓተ ሓምለ ኣብ ዝወዓሎ ኣኼባ፤ ኣብ መንጎ’ቶም 9 ዘሕለፎም ውሳኔታት፤ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምምሕያሽ ከርእይ ዘይኮነ፤ መሊሱ ናብ ዝኸፈኤ ደረጃ ይወርድ ብምህላዉ፤ መርማሪት ጉጅለ ስርሓ ክትቅጽል ወሲኑ።

ኣብቲ ዝተገብረ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ 21 ኣባል ሃገራት ክድግፎኦ እንከለዋ፤ 10 ተቓዊመን፤ 16 ሃገራት ከኣ ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

ዕድመ ስልጣና ብሓደ ዓመት ተናዊሑ ዘሎ ስፐሻል ራፖርተር፤ ኣብ መበል 53 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ኣብ መበል 77 ስሩዕ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ጸብጻባ ብጹሑፍ ከተረክብ ትጽቢት ተገይሩላ ኣሎ። ነቲ እተቕርቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር፤ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ጽዑቕ ዘተ ክካየደሉ እዩ።

መርማሪት ጉጅለ ስርሓ ክትቅጽል የብላን ዝበላ 10 ሃገራት፤ ቦሊቪያ፤ ቻይና፤ ኩባ፤ ኤርትራ፤ ህንዲ፤ ፓኪስታን፤ ሶማል፤ ሱዳን፤ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቨንዙወላን እየን።

መንግስቲ ኤርትራ፤ ካብ ግዱድ ዕስክርና ጀሚሩ ክሳብ ዝተፈላለዩ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓሱ፤ ከምኡ’ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታቱ ሃለዋቶም ብዘይፍለጥ ኩነታት ብምእሳሩ፤ ተደጋጋሚ ክስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0