‘ስምምዕ ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኽበር፣ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ’ዩ’ ኣመሪካ

Radio Erena: Wednesday, 20 December 2023

ስምምዕ ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝፍረም 23 ዓመት ኣብ ዘቑጸረሉ ኣመሪካ እቲ ውዕል ክትግበር ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣብዚ ዝኽሪ እዚ፣ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ክልቲአን ሃገራት ክኽበር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ምኻኑ ብምግላጽ፣ ንርጉእነትን ብልጽግናን እቲ ዞባ ክሰርሓ ጸዊዓ።

ኣብ 2018 ኣብ ደሓን ናይ ስምምዕ ኩነታት ዝበጽሐ ዝመስል ዝነበረ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ገሊጾም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንጉዳይ ባሕሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ነቲ ወጥሪ ከም ዘጋደዶ ድማ ይፍለጥ።

ምናልባት ናብቲ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ “ኣይኲናት፡ ኣይሰላም ” ዝብል ኩነታት ምምላስ – ንኽልቲአን ሃገራትን፣ ነቲ ካብ ተደጋጋሚ ግጭታትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ዘየዕረፈ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕረፍቲ ዝህብ ኣይኮነን ብምባል ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ክካየድ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ጸቢብ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ዘሎ ወጥሪ ግን ንኽልቲኡ ህዝብታት ነቲ ተስፋ ዝተነብሮ ኣብ 2018 ዝነበረ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ከየስተማቐረ፣ ናብ ዳግማይ ስግኣት ሸሚምዎ ይርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0