‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ኣንጻር ፌስቲቫላት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒታት፣ ብማዕከናት ዜና ዓለም ከም ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣህጉራውያ ጉዳያት ይዝተየሉ

Radio Erena: Tuesday, 12 SEptember 2023

ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተጠርነፈ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳን እስራኤልን፣ ብኤምባሲታት ህግደፍ ንዝተወደበ ፌስቲቫላት ደው ንምባል ወይ ንምስንኻል ዘካየዶ ስርሒታት፣ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ቆላሕታ ማሕበረ ሰለም ዓለም ክረክብ ይሕግዝ ኣሎ።

ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዓለም መደባት ዝፍንዋ ማዕከናት ዜና ዓለም፣ ነዚ ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ስርሒታት ኣብ ዘቃልሓሉን ከም ሓደ ካብ ዓበይቲ ጉዳያት ሰሪዐን ፖለቲከኛታትን ተንተንቲን ብምዕዳም ኣብ ዝዛተያሉን ዘለዋ እዋን፣ ኤርትራ ኣበይ ትርከብ? ህዝባ ስለምንታይ’ዩ ብብዝሒ ዝስደድ? ስለምንታይ ከ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ከምዚ ዓይነት ጎነጽን ናዕብን ተኻይዱ ዝብሉ ነጥብታት’ዩ ተላዒሉ።

ዓበይቲ መደበራት ናይ ውስጢ ሃገር ቴሌቪዥን ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ሽወደን፣ እስራኤል፣ ነርወይ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ዴንማርክ፣ ፈረንሳን ከምኡ ድማ ከም ኣልጀዚራ፣ ቢቢሲ፣ ሲኤንኤን፣ ፍራንስ 24ንን ካልኦትን ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ብምትኳር መደባት ካብ ዘቕረባን ዘቕርባ ካብ ዘለዋን’የን።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ምግታእ ዝብል ዛዕባ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለትካዊ ኣጀንዳታት ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኤርትራውያን ናብ ስደት ዘምርሖም ዘሎ ምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዘሎ ንልዕሊ 32 ዓመት ስልጣን ዝበሓተ፣ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ’ዩ ብሰፊሑ ዝትንተን።

ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻር ፌስቲቫላት ህግደፍ ዘካየድዎ ተቓውሞታት’ውን፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ዘለዎም ተሪር ጽልኢ ዘጉልሕ ምዃኑ ኣሶሸትድ ፕረስ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0