ብሰንኪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዋሕዲ ፓስፖርት ዘጋጠማ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፓስፖርታት ካብ ፈረንሳ ኣዚዛ

Radio Erena: Tuesday, 12 September 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዋሕዲ ፓስፖርት ንምቕላል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፓስፖርታት ካብ ፈረንሳ ገዚኡ።

መርበብ ዜና ኢንተሊጀንስ ብዝቐረበ ዜና መሰረት፣ እቲ ናይ ‘ባዮሜትሪክ’ መምዘኒ ዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት፣ ስሙ ብምስጢር ኣብ ዝተታሕዘ ናይ ፈረንሳ ኩባንያ ተሓቲሙ፣ በብእዋኑ ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ክርከብ’ዩ።

ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ብወገና፣ ካብ ፈረንሳ ካብ ዝተኣዘዘ 1.5 ሚልዮን ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርታት፣ እቲ 196 ሽሕ ድሮ ናብታ ሃገር ኣትዩ፣ ህጹጽ ናይ መጓዓዝያ ሰነደ ንዘድልዮም ዜጋታት ኣብ ምዕዳል ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ምዕዳል ፓስፖርት ተቛሪጹ ከምዝጸንሐ ዘመልከተት እታ ጋዜጣ፣ ጠለብ ዘቕረቡ ኣስታት 300 ሽሕ ዜጋታት ምህላዎም ኣስሚራትሉ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ላዕለዎት ሓለፍቱ ዝቐየረ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፣ ፓስፖርታት ምዕዳል ኣቛሪጽሉ ዝጸንሐ ምኽንያት፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ካብቲ ዝሕተመሉ ሃገር፣ ከይኣዘዘ ብምጽንሑ’ዩ።

ሓደስቲ መራሕቲ ተኪኡ ዘሎ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ብልሽውና ተቖማጢቖም ጸኒሖም ንዝበሎም ናይ ቅድም ሓለፍቱ፣ ፓስፖርታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሸጡ ምጽንሖም ይወቕስ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 1