ብሪጣንያ፣ 4 ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ 13 ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኮንተይነር ተዓሽጎም ኣብ ወደብ ተረኺቦም

Radio Erena: 17 February 2020

ኣብ ብሪጣንያ፣ ፑርፍሊት ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መራኽብ፣ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ 13 ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ኮንተይነር ተዓሽጎም ከምዝተረኽቡ ዘ ኤኮ ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና ንፖሊስ ብሪጣንያ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም ትሕቲ ዕድመ ምዃሞም ዝተገልጹ ኣርባዕተ ቆልዑ፣ ናብ ዝእለይሉ ቦታ ክውሰዱ እንከለዉ፣ እቶም ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 9 ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ብክፍሊ ኢምግሬሽን ክርአ’ዩ።

እቶም ናብ ቀዳም 16 ለካቲት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተታሕዙ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ 13 ሓተቲ ዑቕባ፣ ካበየነይቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ተበጊሶም ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ኣይተሓበረን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ 2°C ኣብ ዝዓቐኑ መዝሓሊ (ፍሪጅ) ኣብ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ 23 ሓተቲ ዑቕባ ብፖሊስ ቤልጁም ከምዝደሓኑ ይዝከር።

ካብ ፈረንሳን ቤልጁምን ዝብገሱ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ኮንተርነራትን መራኽብን እናተሓብኡ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር መዓልታዊ ሓደገኛ ፈተነታት ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0