ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖምፒዮ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ኢትዮጵያ ይበጽሕ

Radio Erena: 17 February 2020

ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖምፒዮ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ትራምፕ ሎሚ ሰኑይ 17 ለካቲት ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ’ዩ።

እቲ ኣቐዲሙ ናብ ሰኔጋልን ኣንጎላን ዑደት ዘካየደ ልኡኽ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ መዛዘሚ ናይ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክራኸብ ትጽቢት ኣሎ።

ፓምፒዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ መዓልታት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ግብጺ ኣብ መዓልብኡ ዘይበጽሐ ብምምሕዳር ትራምፕን ባንክ ዓለም ዝድፍኣሉ ዘሎ ስምምዕ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ክመያየጥ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይእንፍቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ጉዳይ እቲ ክሳብ 22 ለካቲት ክትግበር ኣመሪካን ኢጋንድን ጸቕጢ ዝገብርሉ ዘለው ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን’ውን ዘተ ከካይድ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ዘቤታውን ዞባውን ጉዳያት ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0