DP World ናይ ኢማራት፣ ንወደባት ኤርትራ የመሓይሽን ይጽግንን ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 17 February 2020

DP World ዝተባህለ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ፣ ንወደባት ኤርትራ ከመሓይሽን ክጽግንን ምዃኑ ብሉምበርግ ገሊጹ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ካብቲ ዱባይ ዝመደበሩ ትካል ብኢመይል ንዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዘቕረቦ ጠለብ፣ ኣብ ወደባት ኤርትራ ኣገደስቲ ኣቑሑ ናይ ምቕያርን ካልእ ጽገናዊ ስርሓትን ኩንትራት ከምዘካየደ ኣረጋጊጹ።

ብሉምበርግ ካብ ወገን ኤርትራ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ከምዘይረኸበ ጠቒሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ንግድን ወትሃደራዊ መዓላታትን ዘተኮረ ንወደባት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቑጽጻር ተበግሶታት ካብ እትወስድ ኣስታት 5 ዓመቱ ቀሪቡ ኣሎ።

ንወደብ ዓሰብ፣ ንወትሃደራዊ ሎጂስቲክን መናሃርያን እትግልገለሉ ዘላ ሕቡራይ ኢማራት ዓረብ፣ ንወደባት ሶማሊላንድ’ውን ንምውናኑ ስምምዓት ምኽታማ ኣይርሳዕን።

DP World ናይ ዱባይ ኣቐዲሙ ንኣገልግሎታት ወደብ ጂቡቲ ን25 ዓመታት ንምውናን ዝኸተሞ ስምምዕ፣ መንግስቲ ጂቡቲ ስለዘይዓገበሉ ኣብ መንጎ ሰሪዝዎ’ዩ።

ብሰንኩ ድማ እቲ ናይ ዱባይ ትካልን መንግስቲ ጂቡቲን ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ምክርኻር ይርከቡ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0