ብሪጣንያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ከምእትኽእል ተገሊጹ

ብሪጣንያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ከምእትኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 23 January 2019

ብሪጣንያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ፣ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ከምእትኽእል ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ፣ ጋቪን ዊልያምሶን፣ ኣብ ፈለማ ዕለታት ናይዚ ወርሒ’ዚ፣ ምስ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ቢሒ፣ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ብዛዕባ’ዚ መደብ እዚ፣ ካብ ወገን ብሪጣንያ ይኹን ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝተዋህበ መረጋገጺ የለን።

ይኹን’ምበር፣ ዑደት ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ንኣገዳስነት ሶማሊላንድ ከምዝተገንዘቦ ዘጉልሕ’ዩ ክብል ፕረዚደንት ሙሰ ቢሒ ኣገንዚቡ።

ሕቡራት ኢማራትን ሩስያን’ውን ኣብዛ ርእሰ ምምሕዳር፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ናይ ምቛም መደብ ከምዘለወን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ፑንትላንድ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳርን መንግስትን ዘቖመት እኳ እንተኾነት፣ ብኣህጉራዊ ስምምዓት ግና ከም ሉኣላዊት ኣካል ሶማልያ’ያ ትፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0