ሃገራዊ ባንክ ስዊዝ፣ ኣብ ኔቭሰን ዘለዎ ብርኪ ብ.2.4% ከምዝዓበየ ተሓቢሩ

ሃገራዊ ባንክ ስዊዝ፣ ኣብ ኔቭሰን ዘለዎ ብርኪ ብ.2.4% ከምዝዓበየ ተሓቢሩ

Radio Erena: 23 January 2019

ሃገራዊ ባንክ ስዊዝ፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካየድ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ዝጸንሖ ብርኪ ብ2.4% ኣዕብይዎ።

እቲ ባንክ፣ ነቲ ክውንኖ ዝጸንሐ ብርክታት፣ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ተወሳኺ 12,800 ብርኪ ብምዕዳግ ናብ 535,800 ኣዕብይዎ ኣሎ።

እዚ ድማ ናይ 2.3 ሚልዮን ዶላር መጠን ገንዘብ ከምዘለዎ ኔቭሰን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራን ሰርብያን ናይ ዕደና ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን፣ መሸጣ ብርክታቱ ከምዝዓበየ ዝግለጽ ዘሎ፣ ናብ ናይ ቻይና ኩባንያ ዚዢንግ ብ1.8 ቢልዮን ዶላር ክሰጋገር ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ኤርትራ፣ ከባቢ ቢሻ፣ ወርቅን ነሓስን ኣብ ምዕዳን’ዩ ዝርከብ።

እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ቢሻ ኣብ ዘካይዶ ዕደና ወርቂ፣ ብትካላት ህንጻ ህግደፍ ተመዲቦም ዝመጽእዎ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፋሩ፣ ኣብ ካናዳ ቤት ፍርዲ ኮሎምብያ ክሲ ተመስሪትሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0