መግለጺ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ

መግለጺ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ

Radio Erena: 22 January 2019

ኢጣልያ፣ ካብ ወደብ ባጽዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ መንገዲ ባብቡር ንምዝርጋሕ ዘኽእል ቀዳማይ ገጽ መጽናዕቲ ክትምውል ምዃና ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምግላጹ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም ቅድሚ ምስታፉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሴፐ ኮንተ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ መግለጺ ቀዳማት ሚኒስተር ኣብይ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ክግለጽ ዝግብኦ ጉዳያት፣ ብወገን ኢትዮጵያ ንሰምዖ ኣሎና ክብሉ ናይ ኣሉታ ስምዒታት ከምዘሕደረሎም ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ካብ ዘመሓላለፍዎ ዘለዉ መልእኽታት ምርዳእ ይከኣል።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ደረት ኣልቦ ንዕቀት’ዩ ዘለዎ ዝብሉ ካልኦት ድማ፣ ካልእስ ይትረፍ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ስምምዓት፣ ንሚኒስተራቱንን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ’ውን ሓበሬታ ከምዘይቦም ዝወቕሱ’ውን ኣለዉ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የመና ገብረመስቀል፣ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝውሕዝ ዘሎ መልእኽታት ኣብ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ እዚ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ኢጣልያን ዝዘተይሉ፣ ምህናጽ ናይቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር፣ ከም ሓሳብ ዝተዘርበሉ፣ ኣብ መንጎ ሰለስትኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ትግባረኡ፣ ኣብ ግብራውነቱ ዝህሉ ኩነታት ዝሙርኮስ’ዩ ኢሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኤርትራን ዞባዊ ጉዳያትን ዝምልከቱ ሓበሬታታ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ይስምዑ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ሕብራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ነዳዲ ክትሃንጽ ምዃኑ ብወገን ኢትዮጵያ ምግላጹ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0