ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 21 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበርን ዝዝክር ስእላዊ ምርኢት ኣብ ህንጻ ፓርላማ ቀሪቡ

Radio Erena: 08 December 2022

ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበርን ዝዝክር ስእላዊ ምርኢት ኣብ ህንጻ ፓርላማ ቀሪቡ።

እቲ ካብ 06 ክሳብ 09 ታሕሳስ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ዝቐረበ ስእላዊ ምርኢት፣ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፣ ንዜጋታት ብዘይሕጋዊ መስርሕን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን፣ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ከምዘጥፍእን ንምጉላሕ ዝዓለመ’ዩ።

እቲ ኣሳእል እሱራትን ሓጺር ታሪኾም ዝሓዘ ምርኢት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትከታተል ብዝቖመት ንኡስ ኮሚተ ፓርላማ ብሪጣንያ ዝተዳለወ ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ምርኢት ኣብ ህንጻ ፓርላማ ብሪጣንያ ዝቐረበሉ ምኽንያት፣ ኣቓልቦ ናይቶም ናብቲ ቀጽሪ ዝመላለሱ ኣባላት ባይቶ፣ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ጸለውቲ ሰባት ንምስሓብ ተባሂሉ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0