ኢትዮጵያ፣ ዞባ ወለጋ ናይ ህጹጽ እዋን ላዕለዋይ እዚ ወይ ኮማንድ ፖስት ክቐውም ፖለቲካውያን ውድባት ጸዊዖም

Radio Erena: 09 December 2022

Image: Archives internet

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ብፍላይ ኣብ ዞባ ወለጋ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣማኢት ሰባት ቀቲሉን ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉን ከምዘሎ ዘተሓሳስቡ ፖለቲካውያን ውድባት፣ መንግስቲ ጸጥታ ከውሕስ ዘይምኽኣሉ ነቒፎም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ክልል ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ዝበኣሰ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ናይ ፍሉይ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ከቕውም ጸዊዑ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ እናበኣሰን እናተወሳሰበን ይመጽእ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ኮሚሽን፣ ጸጥታ ከውሕሱ ዝተላእኩ ወትሃደራት መንግስቲ’ውን ንሓድሕዶም፣ ኦሮሞን ኣምሓራን እናተባሃሉ ይጋጨው ምህላዎም ኣንፊቱ።

እቲ ግጭት ብቐንዱ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣምሓራን ኦነግ ሸኔን ይካየድ ከምዘሎ’ውን እቲ ኮሚሽን ኣነጺሩ።

ይኹን’ምበር ጸጥታ ከባቢኦም ከውሕሱ መንግስቲ ጠበናጁ ዘዕጠቖም ነበርቲ እቲ ከባቢ’ውን፣ ነቲ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ግጭት ተጸንቢሮምን ሰለማዊ ህዝቢ ግዳይ ይገብሩ ምህላዎምን እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ግጭት ይቕጽል ከምዘሎ ዘተሓሳስቡ ፖለቲካውያን ውድባት፣ መንግስቲ ሰራዊት ብምልኣኽ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ከውሕስ ዘይክኣለሉ ምኽንያት ወቒሶም።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኮማንድ ፖስት ከቕውም’ውን ጸዊዖም።

ብዝያዳ ግጭት ጉሂርሉ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ኪራሙ ጥራይ ኣብዚ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 600 ከምዝበጽሐ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣመልኪተን።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዘለዋ 20 ዞባታት፣ ኣብተን ሸሞንተ ግጭት ይካየድ ከምዘሎ ‘ዩ ዝግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0