ታንዛንያ ጽንብል መዓልቲ ነጻነት ሰሪዛ

Radio Erena: 08 December 2022

መንግስቲ ታንዛንያ ዓርቢ 9 ታሕሳስ ክካየድ ዝነበሮ ጽንብል መዓልቲ ነጻነት ብትእዛዝ ፕረዚደንት ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ::

ፕረዚደንት ሳምያ ስሉህ ሓሰን፣ መበል 61 ዓመት ጽንብል ናጽነት ብምስራዝ፣ ንወጻኢታቱ ዝተሓስበ 445 ሽሕ ዶላር ኣብ ምህንጽ ኣባይቲ መሕደሪ ተመሃሮ ክውዕል ምኳኑ ገሊጻ::

እቲ መሕደሪ ተማሃሮ፣ ብፍላይ ነቶም ርሑቅ ተጓዒዞም ዝመሃሩለን ሸሞንተ ኣብያተ ትምህርቲ ክውዕል’ዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ጆርጅ ሲንባቸውን ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ፣ እታ መዓልቲ ነጻነት ዝጽንበለላ ዕለት፣ ህዝቢ ክትግበሩ ኣለዎም ኣብ ዝብሃሉ ኣርእስታት ህንጸት ሃገር ኣብ ምምይያጥ ከሕልፎ ምኳኑ ሓቢሩ::

ታንዛንያ ኣብ 2015 ‘ውን ጽንብል መዓልቲ ነጻነት ብምስራዝ፣ ነታ ዕለት ተሓሲቡ ዝነበረ ባጀት ኣብ ምህናጽ ጽርግያ ከተውዕሎ ከምዝወሰነት ይዝከር።

ኣብ 2020 ‘ውን ብተመሳሳሊ ንጽንብል ነጻነት ክወጽእ ዝነበሮ ባጀት ኣብ ምዕዳግ መድሃኒት ውዒሉ’ዩ::

ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ህዝበን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ብዙሕ ጉዳያት እናሃለወ፣ ንጽንብል ነጻነት ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ወጻኢ ከምዝገብራ ይፍለጥ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0