ብሪጣንያ፣ ብቅትለት ሰብ ን14 ዓመታት ዝተኣስረ ኤርትራዊ ናብ ዓዱ ከይጥረዝ ይሓትት

ብሪጣንያ፣ ብቅትለት ሰብ ን14 ዓመታት ዝተኣስረ ኤርትራዊ ናብ ዓዱ ከይጥረዝ ይሓትት

Radio Erena: 31 October 2017

london

ብቅትለት ሰብ ን14 ዓመታት ክእሰር ዝተፈርዶ ቶማስ ግርማይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናብ ዓዱ ከይጥረዝ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ምባሉ ደይሊ መይል ኣብ ናይ 29 ጥቅምቲ ዜናኡ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ናይ ደይሊ መይል ሓበሬታ፣ እቲ ኤርትራዊ፣ ምስ ሓደ ጉጅለ ገበነኛታት ብምዃን ኣብ 2004 ንሓደ ታይላንዳዊ ክኢላ ምድራዝ ሰብነት፣ ብካራ ወጊኡ ከምዝቐተሎ ድሕሪ ምኽሳሱ፣ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ን14 ዓመታት ክእሰር’ዩ ፈሪድዎ።

ወዲ 34 ዓመት ቶማስ ግርማይ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ’ውን ኣቐዲሙ ዝፈጸሞም ተመሳሰልቲ ገበናት ከምዝፈጸመ’ዩ ተኸሲሱ።

ብዘይካ’ዚ ኣቐዲሙ ብስርቅን ሓሽሽን ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ተኣሲሩ ዝነበረ ቶማስ ማእሰርቱ ድሕሪ ምውድኡ ናብ ዓዱ ክጥረዝ፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ብሪጣንያ ኣብ 2009 ወሲኑ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተወልደ ዝተገልጸ ኤርትራዊ፣ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሱ ስቅያት ክወርዶ ከምዝኽእል ብምጥቃስ ናብ ዓዱ ከይጥረዝ ይግባይ ይብል ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ ለንደን ዝምቕማጡ ቶማስ ግርማይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ወለንታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ተዋፊሩ ከምዘሎን ንሕብረተሰብ ሓደገኛ ከምዘይኮነን ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ምስክርነቱ ይህብ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0