ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ግጥማት ስፖርት ንምዕዛብ ስታድዮም ክኣትዋ ክፍቀደለን’ዩ

ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ግጥማት ስፖርት ንምዕዛብ ስታድዮም ክኣትዋ ክፍቀደለን’ዩ

Radio Erena: 31 October 2017

saudi women

ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ስታድዮም ብምእታው ስፖርታዊ ንጥፈታት ንኽዕዘባ ዝፈቅድ ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጽአት ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2018 ደቂንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ስታድዮም ኣትየን ስፖርታዊ ግጥማት ክዕዘባ’የን።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ስድራቤታት ኣብ ስታድዮም እናኣተዉ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንኽዕዘቡ ዘኽእሎም ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ብሰንበት 29 ጥቅምቲ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ እታ ሃገር፣ ደቂንስትዮ ክኣትውኦ ፈቒዳቶ ዘላ ስታድዮማት፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታታ፣ ኣብ ጀዳ፣ ደማምን ሪያድን ጥራ’ዩ።

ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ኣቡኡ ብምትካእ ስልጣን ኣብ ዝርከበሉ እዋን ከተግብሮ ዝሰርሓሉ ዘሎ ራእይ 2030 ዝተሰምየ መደብ፣ ዓቃባዊ እምነት እታ ሃገር ብዙሕ ምምሕያሻት ክገብረሉ ምዃኑ’ዩ ዝጠቅስ።

ኣቐዲማ’ውን ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ዝመጽእ ዓመት መኪና ክዝውራ ዝፈቅድ ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጽአት ኣይርሳዕን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0